ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሮላይና ብዘጋጠመ ዝናብ ዝተሓወሶ ኣውሎ ነፋስ ህይወት 30 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ሰሜናዊ ግዝኣት ካሮላይና ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ዝተሓወሶ ኣውሎ ነፋስ 30 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ፍሎሪዳ ከምዘጋጠመ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ግዝኣት ጆርጂያ ኣቋሪፁ ብምሕላፍ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ካሮላይና ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተሓቢሩ።

በዓል መዚ ሃንደበታዊ ሓደጋ ዝኾኑ ራያን ኮል÷ ኣብ ግዝኣት ካሮላይና ኣብ ትርከብ ከተማ ኣሽቪል ዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ነፋስ ልዑል ዕንወት ከምዘብፀሐ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እውን 105 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ዘዕነወ እቲ ሓደጋ ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ ተገሊፁ፡፡

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ንምውጋንን እቲ ሓደጋ ንምክልኻልን ብሓፈሻ ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment