ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ልዕሊ 16 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሮም፡፡
እቲ ሓገዝ ንሃገራዊ ፕሮጀክታትን እዋናዊ ፃውዒታትን ዝውዕል ከምዝኾነ፥ ፍሉይ ልኡኽን ኣምባሳደርን ፌዴሪኢ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ) (ኢ/ር) ገሊፆም።
ብዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ መሓመድ እንድሪያስ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ፥ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ብምርካብ ብዛዕባ ኩለመዳይ ተሳትፎ ዲፕሎማሲ ዳያስፖራ ጠሚቶም ምስቲ ኤምባሲ ተዛቲዩ።
ዳያስፖራ ብምኽንያት ጎንፂ ዝተጎድኡ ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅን ከምኡ እውን ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ዝውዕል ልዕሊ 965 ሺሕ ዶላር ብጥረ ገንዘብን ልዕሊ 15 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዓይነት ከምዝገበሩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡
ብሓገዝ ዳያስፖራታት÷ ህንፀት 14 ፕሮጀክታት ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ከምዝተጀመረ እውን ተሓቢሩ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com