ኣብ ኣሜሪካ ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምፂ ቅድሚ ምጅማሩ ልዕሊ 78 ሚልየን ሰባት ድምፆም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምፂ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 78 ሚልየን ሰባት ድምፆም ከምዝሃቡ ተገሊፁ።

ኣሜሪካውያን ሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዓ.ም.ፈ ዝቕፅል ፕሬዚዳንቶም ንምምራፅ ድምፂ ክህቡ’ዮም።

ነቝጣታት መረፃ ምስተዓፀው ሕፁያት ተወዳደርቲ ዝረኸቡዎ ድምፂ ዝቀራረብ ክኸውን ስለ ዝኽእል ተዓዋቲ/ት ንምፍላጥ ንሓያሎ ሰዓታት፣ መዓልትታት ወይ ሰሙናት ክግመት ኣይከኣልን ተባሂሉ።

ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምፂ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 78 ሚልየን ሰባት ድምፆም ከምዝሃቡ ተገሊፁ።

ሕፅይቲ ሰልፊ ዲሞክራት ምኽትል ፕሬዚዳንት ካማላ ሃሪስን ሕፁይ ሪፓብሊካን ነበር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ንሰሙናት ሓያሎ ጐስጓሳት ክገብሩ ቀንዮም ምቕናዮም ይዝከር።

መረፃ ዝካየደላ መዓልቲ እናቐረበት ምስ መፅአት፥ ንውፅኢት እቲ መረፃ ዝውስና ‘ስዊንግ ስቴትስ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ግዝኣታት ካልኦት ግዝኣታትን ኣመሪካ ክወሃብ ዝቐነየ ድምፂ ኣዝዩ እናኸረረ መፂኡ።

እተን ‘ስዊንግ ስቴትስ’ ዝበሃላ ግዝኣታት ሸውዓተ እንትኾና፥ ኣሪዞና፣ ጆርጅያ፣ ሚቺጋን፣ ኔቫዳ፣ ሰሜን ካሮላይና፣ ፔንሲልቫንያን ዊስኮንሲንን ዝመፅእ ውፅኢት ከምዝውስና ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment