ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ጥራሕ 100 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።

ንምዕባለታት መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ዝከታተል ፕሮጀክት ኣሰር ኮቪድ ቑፅሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ከም ዝወሰኸ እኳ እንተገለፀ፥ ብምኽንያት ምውሳኽ መርመራ ከም ዘይኮነ ግን ሓቢሩ።

ትማሊ ምስ ቫይረስኮሮና ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ዝርግሐ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘስዓበን ንሕንሕ እቲ መረፃ ዘካረረን እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን በቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዘለው ኮይኖም፡ እዚ ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ንድሓር ብኣስታት 64 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ብማእከላይ ዝምዝገብ ሞት’ውን ይወስኽ ምህላዩ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ለብዒ እቲ ለበዳ ካብ ዝነበረ ግን ምንካይ ዘርኣየ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር፡ 9.5 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም ልዕሊ 233 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።

ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞትን መልከፍትን ዘመዝገበት ሃገር እያ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment