ኣብ ኣሜሪካ ምናልባት ካብ ዓለም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል ዝተብሃለሉ መጠን ዋዒ ምምዝጋቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ምናልባት ካብ ዓለም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል ዝተብሃለሉ መጠን ዋዒ ምምዝጋቡ ተገሊፁ።

እቲ መጠን ዋዒ 54 ነጥቢ 4 ዲግሪ ሴሊሺየስ ኮይኑ ዝተመዝገበ እንትኸውን፥ ካሊፎርኒያ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ዴዝ ቫሊ ዝተመዝገበ ኢዩ ተባሂሉ።

ዝለዓለ ኢዩ ዝተብሃለሉ እቲ መጠን ሙቐት፥ ብብሄራዊ ግልጋሎት ትምበያ ከባቢ ኣየር እታ ሃገር እናተፃረየ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ምዕራባዊ ጠረፋት ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ብፍላይ ሎሚን ፅባሕን ልዑል ዝኾነ መጠን ዋዒ ክምዝገብ ከምዝኽእል ሓበሬታታት ትምበያ አየር ኣመላኺቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝነበረ ልዑል መጠን ሙቐት ምኽነንያት ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ሓደ ማእኸል መፈልፈሊ ሓይሊ ተበላሺዉ ንኽልተ መዓልቲ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፀ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ደረቕ ኣብዝኾኑ ከባቢታት እታ ግዝኣት ነበልባል ሓዊ ከምዝተርኣየ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሃገር ተዛሪቦም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2013 ኣብቲ ከባቢ 54 ዲግሪ ሴሊሺየስ መጠን ዋዒ ተመዝጊቡ ዝነበረ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ካብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ዋዒ ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ።

ዝተወሰኑ “ናይ ተኣማኒነት” ፀገም ኣለዎም ዝበሃሉ ሓበሬታታት ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1931 ኣብ ቱኒዚያ 55 ዲግሪ ሴልሺየስ መጠን ዋዒ ዘለዎ ሙቐት ተመዝጊቡ ከምዝነበረ ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment