ኣብ ኣሜሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ሰባት ብዘይ መሸፈኒ ክራኸቡ ተፈቒዱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ሰባት ብዘይ መሸፈኒ ክራኸቡ ከምዝተፈቐደሎም ተገሊፁ።

ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት ኣመሪካ (ሲዲሲ) ከመዝበሎ፥ ሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ኣመሪካውያን ብውሱን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ክምለሱ ኢዮም።

እቲ መምርሒ፥ ኣድላዪ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ምስ ዝተኸተቡን ገለ ዘይተኸተቡን ሰባት ክራኸቡ ከምዝኽእል ዝፈቅድ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ማለት ነታ ናይ መወዳእታ ብልቃጥ ክታበት ምስወሰዱ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ካብ’ቲ ሕማም ውሑሳት ከምዝኾኑ እዩ ሲዲሲ ሓቢሩ።

ዛጊድ ልዕሊ 30 ሚልየን ኣመሪካውያን ሙሉእ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ፡፡

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment