ኣብ ኣላማጣ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዕጡቓቱ ከዚኑዎ ዝነበረ ልዕሊ 3 ሺሕ ኩንታል ሓገዝ እኽሊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ራያ ኣላማጣ ዝመፅአ ሓገዝ እኽሊ ንህዝቢ እንተይኣብፀሐ ንዕጡቓቱ ቀለብ ክውዕል ኣብ መኻዚኑን እንዳመጥሓንን ከዚኑዎ ተረኺቡ።

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዝተፈላላዩ መኻዚን እኽሊን እንዳመጥሓንን ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ኩንታል ዝተጥሓነ ሕሩጭ ስርናይ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩኤስኣይዲ)፣ ልዕሊ 400 ኩንታል ዝተዓሸገ ስርናይ ዩኤስኣይዲ፣ ልዕሊ 100 ኩንታል ብሽኩቲን ሓይሊ ወሃብቲ ምግቢታትን ኢዮም ተኸዚኖም ተረኺቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብ ዝሓለፈ 1 ዓመትን 4 ወርሒን ዝኸውን እዋን ንሰብኣዊ ሓገዝ ንኽዕል ዝኣቱ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ካብ ህዝቢ እናሕደገ ንዕጡቓቱ እናኸዘነን እናቐለበን ከምዝነበረ ነበርቲ ምስክሮም ሂቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment