ኣብ ኢድ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝተረኸበ ሽጉጥ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ከምዘየዕጠቖም መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ኢድ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ዝተረኸበ ሽጉጥ ከምዘየዕጠቖምን እቲ ሽጉጥ ብሽም ኢሳያስ ወልደጊዮርጊስ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዝተመዝገበ ኢዩ ዝብል መልሲ ከምዝሃበ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ንሳልሳይ ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ከተማ ቢሾፍቱ ዝቐረቡ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው፥ ኣይተ ኢሳይስ ኣብቲ እዋን ምክትል ሓላፊ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ሓላፍነቶም ተጠቒሞም ዝሃቡዎም ከምዝኾነ ይግለፁ እምበር መርማሪ ፖሊስ ካብ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ዘቕረቦ መረዳእታ ግን እቲ ትካል ከምዘየዕጠቖም ተመልኪቱ።

ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ኣይተ ልደቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ግልጋሎት ሕክምና ልቢ ንኸረኽቡ ኣዚዙ ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣብ ሆስፒታል ላንድ ማርክ ክትትል ሕክምና ከምዝገበሩን ሕማም ልቢን ኣስሚን ከምዘለዎምን ዘረጋግፅ መረዳእታ ብፅሑፍ ኣተሓሒዦም ኣቕሪቦም።

ቤት ፍርዲ ነዚ ተረዲኡ ናብ ወፃኢ ሃገር ከይዶም ንኽሕከሙ ክፈቕደሎም፤ ከምኡ እውን ዝተኣሰሩሉ ቤት ማእሰርቲ ንሕማም ክቃልዑ ከምዝገብሮምን ኩነታት ጥዕነኦም ኣብ ሓደጋ ከምዝኾነን ብምፅራሕ ብዋሕስ ንኽፈትሖም ሓቲቶም።

ኣይተ ልደቱ ቅድሚ ሕዚ ጥብቅና ዝቖመሎም ሰብ ከምዝሰኣኑ ምግላፆም ስዒቡ፥ ቤት ፍርዲ ሕገመንግስታዊ መሰሎም ንኽኽበር ብምሕሳብ ናይ መንግስቲ ተኸላኻሊ ጠበቓ ክቖመሎም ገይሩ።

መርማሪ ፖሊስ ዝቐረበ ሕቶ ዋሕስ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፥ ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ እናሰርሐ ምዃኑ፣ ኣብ ኢዶም ዝተረኸቡ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ ናብ ፎረንሲክ ምረመራ ምልኣኹን ውፅኢት እናተፀበየ ምዃኑን ብምግላፅ ምርመራ ዛዚሙ ንምቕራብ ተወሰኽቲ 14 መዓልቲታት ይወሃበኒ ክብል ሓቲቱ።

እቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ እውን ኩነታት ጥዕነኦም ኣብ ግምት ዘእተወ ምቹው ኣተሓሕዛ ንክግበረሎም ንፖሊስ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ሕክምነኦም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብኣግባቡ ንኽከታተሉ ትእዛዝ ብመሃብ መርማ ፖሊስ ምርመርኡ ዛዚሙ ንኽቐርብ ተወሰኽቲ ሸውዓተ መዓልቲታት ሂቡዎ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment