ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ግዙፍ ፕሮጀክት ህንፀት መገዲ ሸገር  ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ግዙፍ ፕሮጀክት ህንፀት መገዲ ሸገር  ተጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓማውቲ ከምዝዛዘም ዝተገለፀ እቲ 150 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ፥ንኹለን ከተማታት ክፍላተ ከተማ ሸገር ከምዘራኽብ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ብ4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ህንፀት 38 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ካብ ኩራ ጅዳ ብምብጋስ ከተማታት ጣፎ፣ ኮዬ ፈጨን ገላንን ከምዘራኽብ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያት ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሓላፊት ቢሮ መገዲን ሎጂስቲክስን ክልል ኦሮሚያ ሄለን ታምሩ (ኢ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማን ክልልን ተረኺቦም።

ብመራኦል ከድር

 

Comments (0)
Add Comment