ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ማእኸል ምርምርን ምፍራይን ማይክሮ ኣልጌ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ማእኸል ምርምርን ምፍራይን  ማይክሮ ኣልጌ(ስፓይሩሊና) ተመሪቑ።

እቲ ማእኸል፥ ኢንስቲትዩት ባዮን ኢመርጂንግን ቴክኖሎጂ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን  ምስ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኦሮሚያ ብምትሕብባር ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ኣብ ስራሕቲ ምርምርን ልምዓትን ዝፀንሐ እቲ ማእኸል፥ ህንፀቱ ተዛዚሙ ብምምቕ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ።

Comments (0)
Add Comment