ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ቀልቢ ስሒቡ ኢዩ– ኣምባሳደር ራፋኤል ሞራቭ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ቀልቢ ከምዝሰሓበ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራቭ ገሊፆም።

ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ኢትዮጵያን ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪካ እስራኤልን ብምትሕብባር ኣብ ጉዳይ ኢንቨስትመንት ዝተሰናድአ መድረኽ ዘተ ኢንተርኔት ትማሊ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፅዮን ተኽሉ፣ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ተመስገን ጥላሁንን ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራቭ ካልኦት ኣካላትን ሰብ ሃፍቲ እስራኤልን ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፅዮን ተኽሉ፥ መንግስቲ ነፃነትን ምዕባለን ኣብ ኢትዮጵያ ንምንጋስ ስጉምቲታት ምምሕያሽ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ይወስድ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብዓውዲ ውልቀ ዝምራሕ ኩለ መዳይ ዘላቒ ልምዓት ምፍጣር ካብቶም ምምሕያሻት ሓደ ከምዝኾነ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment