ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ኣብ ልዑል ብርኪ ምብፅሑ ሰብ ሞያታት ጥዕና ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ኣብ ልዑል ብርኪ ምብፅሑ ሰብ ሞያታት ጥዕና ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ሰብ ሞያታት፥ ሕብረተሰብ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘርእዮ ዘሎ ምዝንጋዕ ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ሕሹዎም ዝነበሩ ሰባት እውን ዳግም እናተተሓዙ ስለዝኾነ ከም ዝኾነ ይኹን ሰብ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግበኦም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ዶክተር ደሳለኝ ቀነኢ፥ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ንላዕሊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣስጋኢ ክኸውን ከምዝገበሮ ገሊፆም።

ኣብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ምክልኻል ኮቪድ ዝሰርሑን በዓል ሞያ ሕክምናን ኣይተ የኋላው ጌታሁን ብግደኦም፥ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ብመንግስቲ ኣበቢሉ ዝተፈላለዩ መምርሒታትን ፕሮቶኮላትን ይውፅኡ እምበር፤ ኣብ ኣተገባብረኦም ግና ክፍተታት እናተረኣዩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብመንግስቲ ዝተቐመጡ መምርሒታት እናተተግበሩ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ ምውሳኹ ንላዕሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙን ህይወቶም ዝሓልፍን ሰባት በቢመዓልቱ ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሰብ ሞያታት ጥዕና ከምዝበሉዎ፥ ዓቕሚ ምምርማር እናነከየ ስለዝኸደ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ውሑድ ከምዝኾነ ዘሓስቡ ሰባት ከምዘለዉ ኢዩ።

ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም ድጋሚ እናተተሓዙ ምዃኖም ስፍሓት ጉድለት ጥንቃቐ ዘርኢ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሰብ ሞያታት ጥዕና፥ ኩሉ ሕብረተሰብ ምዝንጋዕ ጠጠው ንኸብል ኣተሓሳሲቦም።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment