ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደርምኔት ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ውፅኢት ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ቴክኖሎጂ ኢዩ፡፡
እቲ ስርዓት ሕማም ህማም ቆርበት ህፃናት ንምልላይ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ካብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ደርምኔት÷ ብሕክምና ኣፀዋውዐኦም ኣቶፒክ ደርማታይተስ፣ ፖፑላር ኣርትካሪያን ስኬቢስን ዝተብሃሉ ሕማም ቆርበት ህፃናት ብምፍላይ ምርመራን ሕክምናን ንመሃብ ዘኽእል ስርዓት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡
ደርምኔት ብስፔሻሊስት ሓኻይም ቆርበት ህፃናትን ተመራመርቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብጥምረት ዝማዕበለ ስርዓት ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡
ተሓከምቲ ምልውዋጥ ቦታ፣ ግዘን ኩነታትን እንተይዓገቶም ብመርበብ ሓበሬታ ምትእስሳር እቲ ግልጋሎት ከምዝረኽቡ ተገሊፁ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com