ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቂ ተጠቃዕቲ ኩነታት ለውጢ ንብረት ኣየር ምዃንና ዘርኢ ኢዩ  – ብሔራዊ ኤጀንሲ ሚቲዮሮሎጂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቂ ተጠቃዕቲ ኩነታት ለውጢ ንብረት ኣየር ዓለም ምዃንና ዘርኢ ከምዝኾነ ብሔራዊ ኤጀንሲ ሚቲዮሮሎጂ ኣፍሊየጡ።

ዳይሬክተር ትንበያ ኣየርን ቅድመ መጠንቀቕታን እቲ ኤጀንሲው ጫሊ ደበሌ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ደቡብ ሶማሌ፣ ቦሮና፣ ጉጂን ቆላማ ከባቢታት ባሌን ዘጋጠመ ድርቂ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝብገስ “ላሊና” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣየር ልዕሊ ስሩዕ ዛሕሊ ዘስዐቦ ሕፅረት ዝናብ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ነዚ ሓዊሱ ለውጢታት ንብረት ኣየርን በዚ ምኽንያት ዝፍጠሩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝትንብዮ ብሄራዊ ኤጀንሲ ሜቲዮሮሎጂ ትንበያ ይግበር እምበር እቶም ትምበያታት ናይ ነዊሕ እዋን ኣይኮኑን ኢለን እተን ዳይሬክተር።

ስዝኾነ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ትምበያ ካብ 2 ክሳብ 7 ዓመት እንትኸውን፥ እዚ እውን ኣብ ዓለም ፀባይ ዓበይቲ ኣካላት ማይን ብለውጢ ንብረት ኣየርን ዝውሰን ምዃኑ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ “ላሊና” ወቕቲ የብቅዕ ኣሎ ዝበላ እተን ዳይሬክተር፥ ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ድሕሪ ከባቢ ክልተ ኣዋርሕ ዝናብ ናይ ምዝናብ ዕድል ከምዝህሉ ትምበያታት ከምዘመላኽቱ ገሊፀን።

ይኹን እምበር እቲ ድርቂ ዝናብ ምስ ዘነበ ንፀባሒቱ ጠጠው ዝብል ስለዘይኮነ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ማይ ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምድሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ብሶዶ ለማ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment