ኣብ ኢትዮጵያ ዘሳለጥናዮ ዑደት ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክንርእይ ሓጊዙና ኢዩ-ልኡኽ ስዑዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሳለጥናዮ ዑደት ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክንርእይ ሓጊዙና ኢዩ ክብል ልኡኽ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ስዑዲ ዓረብ ገሊፁ።

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ ቢሸፍቱ ዝርከብ ትካል ኣፍራዪ ቀለብ እንስሳት ኣለማ ካውዳይስ ኣርኢዩ።

ኣብቲ ዑደት፥ ኣብቲ ትካል ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከይዲታት ፍሪያት ዝረኣዩ እንትኸውን፥ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ብዕምቆት ንምዕዛብ ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም።

ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገበረ 79 ኣባላት ዝሓዘ ልኡኽ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዝጎብነየ እንትኸውን፥ ምስ ዝተፈላለዩ ኣማራርሓታት ሴክተር እወን ዘቲዩ ኢዩ።

ትማሊ ምሸት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምዝታዩ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment