ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ክንጥቀም ኢና – ሰብ ሃፍቲ ቻይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ምፍራይ ወታደራዊ ክዳውንቲ፣ ጫማ፣ ኮፍያ፣ መከላኸሊ ጥይት ክዋፈሩ ምስ ዝደልዩ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ጂሗ ግሩፕ ቻይና ተዛቲዩ ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መፍረያይ ሓይሊ፣ ምቹው ፖሊሲ ኢንቨስትመንት፣ ንስራሕ ድሉው ዝኾኑ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ፣ ናይ ታክስ እፎይታ፣ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕድላትን ንኢንቨስትመንት ዝተመዓራረዩ ስርዓታት ኣሰራርሓን ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብሃፍቲ ጡጥ፣ ቆርበትን ንመዓድን ሓፂን ኣድላዪ ዝኾነ ጥረ ሃፍቲ ዝማዕበለት ሃገር ከምዝኾነት ምሕባሮም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ጂሗ ግሩፕ ንሰራዊት ምክልኻል ቻይና 60 ሚኢታዊ ወታደራዊ ክዳውንቲ፣ ጫማታት፣ ኮፍያ፣ መከላኸሊ ጥይት ዘቕርብ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣባላት እቲ ልኡኽ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ከምዝጥቀሙ ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment