ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ዘተኮረ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ ህንዲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትኹረቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ዝገበረ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ህንዲ ኣብ ሃገረ ህንዲ ተኻይዱ።

እቲ ፎረም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ምስ ኩባኒያ ኣሕታሚ መፅሄት ህንዲ ብምትሕብባር ዝተዳለወ እንትኸውን፥ ኣብ ዓውዲታት ፋርማሲዩቲካልስ፣ ማዓድን፣ ምቅንብባር ሕርሻ፣ ዓለባን ኣልባሳትን፣ ህንፀትን ምፍራይ ኬሚካልን ዝተዋፈሩ ልዕሊ 30 ኩባኒያታት ህንዲ ተሳቲፎምሉ፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ትዝታ ኣለሙ፥ እቲ ፎረም ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንኽግንዘቡ ኣብ ምግባር ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ንብረት ከባቢ ኣየር፣ ሓይሊ ሰብን ሕሳር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን እታ ሃገር ተመራፂት ማባፅሒት ኢንቨስትመንት ገይሩዋ ኢዩ እውን ኢለን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ዝደሊዩ ሰብ ሃፍቲ ምቹው ሃዋህው ስራሕ ንምፍጣር እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝምልከት ገለፃ ገይረን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment