ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ናይ ማእኸል ተዋሳኣይነትን ናይ ጫፍ ተዓዛብነትን ዘትረፈ ኢዩ-ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ናይ ማእኸል ተዋሳኣይነትን ናይ ጫፍ ተዓዛብነትን ዘትረፈ ኢዩ ክብላ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስቲዮ ዘለዎ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኣወዳድባ ደቂ ኣኒስትዮ ዘተ ተገይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ አለሙን ተረኺቦም።

ሕቲ ፍትሓዊ ተረባሕነት ደቂ ኣኒስቲዮን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ነቲ ለውጢ ምምፃእ ቀዳማይ ምኽኒያት ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ደቂ ኣኒስቲዮ ዘግለለ ለውጢ ፈርቂ ለውጢ ስለዝኾነ ውዝፍ ዝኾኑ ስራሕቲ ፍትሓዊ ተረባሕነት ብምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ምምሕዳር እታ ከተማ ብቑርፀኝነት ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ኣብሪሀን።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመሮ ፕሮግራም ምግብና ተምሃሮ ኣብዚ ዓመት እውን ጫማን ቦርሳን ሓዊሱ ንምሙላእ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

እዚ እውን ኣብ ደቂ ኣንስቲዮ ዝረአ ፅዕንቶ ከምዘቃልል ሓቢረን።

ንደቂ ኣኒስቲዮ ምምሃር ንስድራ ምምሃር ስለዝኾነ ነዚ ትኹረት ብምግባር ከምዝስራሕ ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment