ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19 ብዝተሃቀነሉን ዝተዋደደን መልክዑ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19 ብዝተሃቀነሉን ዝተዋደደን መልክዑ እናተውሃበ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ክታበት ብዝተሃቀነሉ መሰረት ኣብ መላእ ሃገር ብዕዉት ኩነታት ምሃብ ከምዝቐፀለ እውን ገሊፁ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ሰብ ሞያታት ጥዕና ከምዝተኸተቡ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ፀብፃብ መደብ ኣወሃህባ ክታበት ብግቡእ እናተኻየደ ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ ኣብ ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ቀለልቲን ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ከም ረሃፅን ሚንሚን ምባልን ዝበሉ ጎድናዊ ስምዒታት ወፃእ እዚ ኢዩ ዝበሃል ዘተሓሳስብ ጎድናዊ ጉድኣት ከምዘይተረኣየ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ እናተውሃበ ዝርከብ ክታበት ኮቪድ 19 መለክዒ መምርሒ ኣፈፃፅማ ፍቓድ ዘማለአ እንትኸውን፥ ድሕንነት እቲ ክታበት ንምክትታል ዘኽእል ስርዓት ቁፅፅር ተዘርጊሑ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ክታበት ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምዕጋት ኢሉ እውን በቲ ለበዳ ክፍጠር ዝኽእል ሞትን ፅኑዕ ሕማምን ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ንምንካይ ዝሕግዝ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment