ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዘጋጠሙ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር እቶም ልዕሊ 97 ሚኢታዊት ከምዝፈሸሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዘጋጠሙ 5 ሺሕን 856 ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር እቶም ልዕሊ 97 ሚኢታዊት ከምዝፈሸሉ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መርበብ ደሕንነት ኣይተ ሰሎሞን ሶካ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ እቲ ቤት ዕዮ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃኢን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ኢዮም ነዚ ዝበሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዘጋጠሙ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ምስ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሳሳሊ እዋቀን እንትነፃፀር መጠን እቲ መጥቃዕቲ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ከምዘወሰኸ ዕላዊ ገይሮም።

ካብ መንጎ እቶም መጥቃዕቲታት ዝለዓለ መጥቃዕቲ ድረ ገፅ እነትኸውነ፥ መጥቀዕቲ ማልዌር፣ ኣገልግሎት መሰረተ ለምዓት ምቁራፅን ምድንጋር ኦን ላይንን ከም ቅደም ሰዓቦም ልዑል መጥቃዕቲ ዘተኣናገዱ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ቀንዲ ሸቶ እቶም መጥቃዕቲታት፥ ፖሊቲካዊ ባህጊ ብዘለወን ሃገራት(መስ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝዛመድ)፣ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ድልየት ዘለዎም ኣካላት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ብዝተተሓሓዘ ባህጊ ፖለቲካ ዝሓዙ ኣካላት ከምኡወን ተረባሕነት ኢኮኖሚ ተሓሳቢ ብምግባር ዝተፈተኑ መጥቃዕቲታት ኢዮም ኢሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment