ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት መውሃቢ መራኸቢታት ብዲጂታል ካርታ ጎግል ናየ ምምዝጋብ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ምስ ጎግልን “ኣፍሪካ 118” ምስ ዝተብሃለ ትካላን ብምትሕብባር መራኸቢ ቦታ ኣብ ጎግል ንምምዝጋብ ዘኽእል ስልጠና ንሰብሞያ ትካላት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ክልላት እናሃበ ይርከብ።

እቲ ስልጠና ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝርከቡ ትካላት መራኸቢ ቦታታት ኣብ ውሽጢ ጉግል ካርታ ብምክታት ሰባት ብቐሊሉ ደሊዮም ንኅረኽቡዎም ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ምዝገባ ብዕድጊት ኢ-ኮሜርስ ዝተፈፀመሎም ኣቕሑት ንዓማዊል ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ንምብፃሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገብር ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment