ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምህብ ዕላማ ዝገበረ ወፍሪ ትዊተር ተኻይዱ።
እቲ ወፍሪ ”ህወሓት መበገሲ ኢዩ”(#TPLFisTheCause) ን “ዶክተር ኣቢይ ህወሓት ዝፈጠሮም ፀገማት የፅሪዩ ኣለዉ” (#DrAbiyisCleaningTheTPLFmess) ብዝብሉ መሪሕ ቃላት ዝተኻየደ ኢዩ።
እቲ ወፍሪ ብድሕሪ እቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ፀገማት ህወሓት ዘሎ ምዃኑ ተገሊፁ።
ዕላማ እቲ ወፍሪ፥ ኢትዮጵያ ብዝምለከት ዝተሰሓሓተ ምስሊ ንምፍጣር ካብ ዝንቀሳቐሱ ብዝሓሸ ኣብ ምኽባር ሕጊን ኣብ ክሊ ነበራዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምብፃሕ ዝዓለመ ኢዩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!