ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 775 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ዝተገበረ ምርመራ 35 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዕድመኦም ካብ 15 ክሳብ 80 ዝኾኑ 18 ደቂ ተባዕትዮን 18 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝገኾኑ ገሊፀን።

ካብዚኣቶም እቶም 29 ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎ፣ እቶም 23 በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም፣ ከምኡ እውን እቶም ሓሙሽተ ሰባት ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ይኹን ንኽክእ ዘይብሎም ኢዮም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ካብ ክልል ኦሮሚያ ስግረ ዶብ ኣሽከርካሪ፣ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ጂግጅጋ ፈሊኻ መፅንሒ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ፈሊኻ መፅንሒ ከተማ ኣጣየ ዝተረኸቡ ኢዮም።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት ናብ 352 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ 116 ሰባት ከምዝሓወዩ እውን እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment