ኣብ ኢትዮጵያ ንፕሮጀክት ተበፃሕነት ክታበት ህፃናት ዝውዕል 45 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመሪ መርሃ ግበሪ ፕሮጀክት ተበፃሕነት ክታበት ህፃናት(ዜሮ ዶዝ)  ዝውዕል 45 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ተገይሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፥ እቲ ፕሮግራም ብኣተሓባባርነት ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር ግሎባል ኢኒሽዬቲቭ ሕብረት ክታበት (ጋቪ-ሲፍ)ን ዩኒሴፍን  ትብብር ክትግበር ኢዩ ኢለን።

ኣብ መላእ ሃገር ንዘለዉ ህፃናት ጥዕነኦምን ድሕንነቶምን ንምምሕያሽ ንዝግበር ኩለ መዳይ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ኣብሪሀን።

ብሚሊየን ዝቑፀሩ ህፃናት ህይወት ዘድሕኑ ክታበታትን ኣድላዪ ደገፍ ኣመጋግባን ንክረኽቡ ንምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment