ኣብ ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኩለመዳይ ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኩለመዳይ ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ስርዓተ-ምግቢ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ምላሽ ኣብ ምሃብ ትኹረዝ ዝገበረ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ÷ ስግኣት ዓለም እናኾነ ዝመፅአ ክሌማዊ ለውጢ ብፍላይ ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ዜጋታት ዝኸፍአ ፅዕንቶ እንተሕድር ኢትዮጵያ ብምውዳድ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

በዚ ድማ መንግስቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ዘፈር ውልቀ ሓዊሱ ብምስታፍ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ኣመልኪቶም፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን÷ ኣብ ስርዓተ ምግቢ ትኹረት ዝገበረ ስምምዕነት ቃል ኪዳን ሰቆጣ ብዕቱብ እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ መድረኽ ኣብ ዙሪያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ዝውገኑ ተግባራት፣ ስግግር ስርዓተ-ምግቢን ኣመጋግባን ንምውዳድ ዝግበሩ ሃገራዊ ፃሪታት ኣብ ምጥዕዓም ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ፣ መሳፍንት ብርሌን ሶስና ኣለማየሁን

Comments (0)
Add Comment