ኣብ ኢትዮጵያ ንመመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ዘገልግል ኪት ምፍራይ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንመመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ዘገልግል ኪት ድሕሪ ሓደ ወርሒ ምፍራይ ከምዝጅመር ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ከከምዝገለፁዎ፥ ዓቕሚ ምርማር ቫይረስ ኮሮና ክብ ንምባል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክበፅሕ ዝኽእል መመርመሪ ኪት ንምፍራይ ምስ መንግስቲ ቻይና ብምትሕብባር ቅድመ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ምስ መንግስቲ ቻይና እናተዛተዩ ምዃኖ እውን እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም።

እቲ መመርመሪ ኪት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምፍራይ እንትጅምር ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ኪት ሙሉእ ብሙሉእ ክቐሪ ዝገብር ኢዩ ዝበሊ ዶክተር ደረጀ፥ ካብዚ ብተወሳኺ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝባፃሕ ኣብሪሆም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን እታወታት መከላኸሊ ኢንፌክሺን ኣብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ምፍራይ ክምዝጀመሩን ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ናብ ወፃኢ ሃገራት ምልኣኽ ከምዝጀመሩን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ 52 ማእኸላት መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተኸፈታ እንትኾና፥ ስለዝኾነ ድማ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 20 ሺሕ ጥማዕ ደም ንምርማር ዓቕሚ ፈጢረን ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment