ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ  531  ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 288 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ  531  ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 114 ሺሕን 266 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 2 ሺሕን 145 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 312 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብድምር ክሳብ ትማሊ 84 ሺሕን 948 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 11 ብሰንኪ እቲ ሻይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 786 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment