ኣብ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀሓይ ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ምኽክር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንተርናሽናል ሶላር ኣልያንስ ኣብ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀሓይ ንምስፍሕፋሕን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዝተሓንገጦም ልኡኽቶታት ኣብ ዘኽእል ጉዳይ መዳርግቲ ኣካላት ዘካተተ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ ማይን ኢነርጂን ዶክተር ሱልጣን ወሊ ኣብቲ መድረኽ ከምዝሓበረኦ፥ ኢትዮጵያ ደረጃ ዓውዲ ኢነርጂ ንምዕባይን ዓበይቲ ማሕለኻታት ከምዘለዉዋ ብምሕባር፤ ኣብ 2030 ኩሎም ዜጋታ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ብሄራዊ ፕሮግራም ኤሌክትሪፊኬሽን ሓንፂፃ እናተግበረት ትርከብ፡፡

ኢትዮጵያ ኣባል ኢንተርናሽናል ሶላር ኣልያንስ ብምዃና፥ ኣብ ዝስርሑ ፕሮግራማት ዘለዋ ድሌት ከምዝገለፀት ብምሕባር፤ ኩነታት ናብራ ዜጋታት ኣብ ምምሕያሽ እቲ ጥምረትን ካልኦት መሓዙት ልምዓትን ንዝገብሩዎ ሓገዝ ኣመስጊነን።

ኣብ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ሽቶ ቁፅሪ 7ን 13ን ጋህዲ ንምግባር ሰፊሕ ሃፍቲ ብርሃን ፀሓይ ኣብ ዘለወን 103 ሃገራት ዝስራሕ ጥምረት ሃገራት ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment