ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 976 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ 15 ሰባት ድማ ህይወቶመ ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 19 ሺሕን 449 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 976 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶመ ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 918 ቀፂሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 25 ሺሕን 218 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 206 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 59 ሺሕን 648 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 15 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 933 በፂሑ ኣሎ።

ትማሊ 482 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሐሾም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 21 ሺሕን 789 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ቁፅሮም 36 ሺሕን 924 እንትኾን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 309 ሰባት ብፅኑዕ ዘሓሙ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment