ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 129 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ ኣብ 2 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 274 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 129 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክልተ ሳባት ድማ ህይወቱ ከምዝሰኣኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 70 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 79 ደቂ ተባዕቲዮ 50 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 85 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 6 ካብ ኣምሓራ፣ 11 ሰባት ካብ ትግራይ፣ 1 ካብ ክልል ዓፋር፣ 7 ሰባት ካብ ክልል ደቡብ፣ 4 ሰባት ካብ ድሬዳዋ ከምኡ እውን 10 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 3 ሺሕን 759 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓደ ወዲ 30 ዓመት ኢትዮጵያውያዊ መንእሰይ ነባሪት ኣዲስ ኣበባን ወዲ 60 ዓመት ካብ ድሬዳዋን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 63 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 111ሰባት (109 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ድሬዳዋ) ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 847 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment