ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 109 ሰባት ብቫይረስኮሮና እንትተሓዙ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 118 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 102 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 109 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓደ ሰብ ድማ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 78 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 60 ደቂ ተባዕቲዮ 49 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 81 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 3 ካብ ኣምሓራ፣ 3 ሰባት ካብ ትግራይ፣ ከምኡ̕ውን 2 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 3 ካብ ክልል ዓፋር፣ 4 ሰብ ካብ ክልል ደቡብ፣ 4 ሰብ ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 3 ሺሕን 630 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓንቲ ጓል 45 ዓመት ኢትዮጵያውያዊት ነባሪት ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣስከሬን ብዝተገበረ ምርመራ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወተን ከምዝሰኣና ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 61 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እተን ኣዶ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 118(115 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ካብ ትግራይ) ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 738 በፂሑ ኣሎ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment