ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 9 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 747 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ  ትሽዓተ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዕድምኦም ካብ 20 ክሳብ 49 ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 3 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ክልል ዓፋር፣ 1 ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡውን 1 ካብ ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ኣምሓራ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 398 ከምዝበፅሐ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓደ ሰብ ካብቲ ሕማም ከምዝሐሾ ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 123 ሰባት ከምዝሐሾም ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment