ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 24 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 460 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 24 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዕድምኦም ካብ 4 ክሳብ 68 ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 9 ካብ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ 7 ካብ ክልል ትግራይ፣ 8 ሰባት ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ መተማ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝተረኸቡ ሸውዓተ ሰባት፥ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘለዎም እንትኾኑ ሰለስተ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ምዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዘለዎም ኢዮም።

እቶም ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ማይ ካድራ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ሓደ ድማ ኣብ መቐለ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 389 ከምዝበፅሐ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ 2 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሐሾም ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 122 ሰባት ከምዝሐሾም ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment