ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 173 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ እንትኾኑ 19 ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 160 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 173 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 53 ሺሕን 304 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 19 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 828 በፂሑ ኣሎ።

ትማሊ 493 ሰባት ካብቲ ሕማም ሐሺዎም እንትኸውን፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 19 ሺሕን 487 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ቁፅሮም 32 ሺሕን 987 እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 306 ሰባት ብፅኑዕ ዘሓሙ ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment