ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ምርመራ ላቦራቶሪ ፎረንሲክ ዲኤን ኤ ተመሪቑ።
እቲ ላቦራቶሪ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብ ሆስፒታል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ናብ ስራሕ ዘእትዎ ብርኪ ምብፅሑ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ከምዝተመረቐ ተገሊፁ።
ዋና ኣዛዚ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀኔራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ እቲ ላቦራቶሪ ዓቕሚ ፖሊስ ኢትየፐያ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።
ነዚ ዠኮኑ ብቑዓት ሰብ ሞያ ከምዝተማልኡ ብምግላፅ፥ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ጭቡጥን ኣተኣማማኒን መረዳእታ ንምቕራብ ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።
ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ገበናትን ገበን ተንከፍ ተግባራትን ብዓሸራ ይምርመሩ ከምዝነበሩ ብምሕባር፥ እቲ ገበን ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ዝተርፉ ዓሸራታት ጥራሕ ብምጥቃም ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።
ገበን ኣብ ዝተፈፀመሉ ቦታ ዝርከብ ዝተፈላለየ ፈሳሲን ተመሳሰልቲ ነገራትን ብምምርማር ምፍላጥ ከምዝከኣል ድማ ኣብሪሆም።
ብፀጋዬ ወንድወሰን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።