ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 11 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 764 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 11 ሰባት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት በቲ ቫይረስ ምልካፎም ካብ ዝተረጋገፁ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ 10 ደቂ ተባዕትዮ፣ ሓንቲ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ከምዝኾኑን ካብ 18 ክሳብ 38 ክሊ ዕድመ ከምዝርቡን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀብፃብ ቁፅሪ፥ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ትማሊ ምሸት ብብርኪ ክልል ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሰባት ምርካቦም ዘውፀኦ ፀብፃብ ዝሓውስ ከምዝኾነ ዶክተር ሊያ ኣብሪሀን።

ካብ ሞንጎ እቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እቶም ሓሙሽተ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ሽዱሽተ ድማ በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት፥ እቶም ሓሙሽተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልተ ኣብ ክልል ትግራይ (ትግራይ ፈሊኻ መፅንሒ)፣ ሰለስተ ሰባት ኣብ ክልል ዓፋር ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይርከቡ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 250 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ካብዚኣቶም ድማ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 105 ሰባት ከመዝሓወዩ እውን ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment