ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ካብ 10 ሺሕ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ካብ 10 ሺሕ ከምዝዛየደ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 334 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 704 ሰባት ከምዝተረኸቡ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 170 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

እቶም ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ኩሎም ኣብ ኣስከሬን ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ከምዝነበሮም ዝተረጋገፁ ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ውሽጢ ዝተረኸቦም ሰባት 551 ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 39 ካብ ክልለ ትግራይ፣ 30 ሰባት ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 26 ሰባት ካብ ክልል ጋምቤላ፣ 21 ሰባት ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 3 ሰባት ካብ ክልል ዓፋር፣ 11 ሰባት ካብ ክልል ሲዳማ፣ 10 ሰባት ካብ ድሬዳዋ፣  2 ሰባት ካብ ክልል ደቡብ፣ 5 ሰባት ካብ ክልል ቤንሻንጉል፣  3 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ፣ ከምኡ እውን 3 ሰባት ካብ ክልል ሃረሪ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 10 ሺሕን 207 ከምዝበፅሐ ተሊፁ።

ትማሊ 196 ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 137 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment