ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 176 ሰባት እንትርከቡ 3 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕን 636 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 176 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 175 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሓደ ሰብ ድማ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዘግነት ዘለዎ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳብ 90 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 116 ደቂ ተባዕቲዮ 60 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 98 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 31 ካብ ክልል ትግራይ፣ 3 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 33 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 7 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 2 ሰብ ካብ ከተማ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከምኡ እውን 2 ሰባት ካብ ክልል ዓፋር ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 3 ሺሕን 521 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

እቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ክልተ ሰባት ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ሓደ ድማ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 60 ክብ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 75 ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 620 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment