ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 245 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕን 709 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 245 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 241 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ኣርባዕተ ድማ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዘግነት ዘለዎ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 85 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 172 ደቂ ተባዕቲዮ 73 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 190 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ካብ ክልል ትግራይ፣ 17 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 3 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 16 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 4 ሰብ ካብ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 2 ሺሕን 915 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

እቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኩሎም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ ናይ ሽዱስተ ሰባት ኣብ ኣስከሬን ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ከምዝነበሮም ዝተረጋገፁ ኢዮም።

ሓደ ሰብ ድማ ኣብ ማእኸል ፈሊኻ መሐከሚ ክትትል ሕክምና እናገበረ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 47 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 17 ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 451 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment