ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 136 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሽሕን 775 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 136 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 124 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ 12 ድማ ናይ ወፃኢ ሃገር ዜግነት ዘለዎም ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 97 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 85 ደቂ ተባዕቲዮ 51 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 115 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ካብ ክልል ትግራይ፣ 9 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 7 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡ̕ውን 2 ሰባት ካብ ክልል ሃረሪ 1 ሰብ ድማ ካብ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 2156 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ትማሊ 10 ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ፣ 5 ሰባት ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 2 ካብ ክልል ዓፋር፣ 2 ካብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብድምር 17 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 361 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment