ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 912 ሰባት ምርማራ ላቦራቶሪ ቫይረስከኮሮና ከምዝተገበረሎም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝበልኦ፥ ምርመራ ካብ ውሽጢ ዝተገበረሎም እቶም ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ውልቀ ሰባት ኢትዮጵያዊት እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ካብ ኬንያ ተመሊሱ ኣብ ኣገዳዲ ፈሊኻ መፅንሒ ሞያሌ ዝነበረ ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ፑንትላንድ ዝተመለሰ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ከምዝኾነን ኣብ ኣገዲድካ መፅንሒ ጂግጂጋ ከምዝነበረን ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 133 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ተዛሪበን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሸውዓተ ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክሳብ ሐዚ ቁፅሪ ዝሓሾም ሰባት 66 ከምዝበፅሐ እውን ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment