ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 9 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 442 ሰባት እቶም ትሽዓተ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ተረጋጊፁ ኣሎ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 65 ክብ ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝገለፀኦ፥ እቶም ሎሚ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ውልቀሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ዘለዎም ኢዮም።

ካብ ሞንጎ እቶም ውልቀሰባት እቶም ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ ሓደ ኤርትራዊ ሓንቲ ድማ ህንዳዊት ምዃኖም ተዛሪበን።

እቶም ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ውልቀ ሰባት ካብ ዱባይ መፂኦም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናገበሩ ዝፀንሑ ከምዝኾኑ እውን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

እቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ካብ ቱርኪ እታ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ድማ ናይ እንግሊዝ ታሪኽ ጉዕዞ ዘለዎም እንትኾኑ፥ ኩሎም ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሎም ከምዝፀንሑ ገሊፀን።

ጓል 20 ዓመት ህንዳዊትን ወዲ 40 ዓመት ኤርትራዊን ድማ ጉዕዞ ታሪኽ ዱባይ ዘለዎም ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ፅኑዕ ክፍሊ ሕክምና ካብ ዝርከቡ ክልተ ውልቀ ሰባት እቲ ሓደ ምምሕያሽ ስለዘርኣየ ካብቲ ክፍሊ ምውፅኡ ዶክተር ሊያ ኣገንዚበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ ን3 ሺሕን 232 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረ ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ብቫይረስ ኮሮና ካብ ውሽጢ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም 57 ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ ኢለን።

ኣርባዕተ ውለቀሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ክልተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይዝከር።

ካልኦት ክልተ ጃፓናውያን ድማ ናብ ካገሮም ተሰኒዮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment