ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ውሽጢ ዝተገበረሎም 74 ሰባት እቶም ሽዱሽ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 35 ምብፅሑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ሰባት፥ እቶም ሓሙሽተ ካብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ሓደ ድማ ካብ ድሬዳዋ ኮይኖም ኩሎም ሰባት ኢትዮጵያውያን ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ እቶም ክልተ ታሪኽ ጉዕዞ ዘለዎም 35ን 30ን ዓመት ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ፥ 10ን 8ን መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብ ዱባይ ዝመፅኡ ኢዮም ተባሂሉ።

ክልቲኦም ሰባት፥ ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ሰባት ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ናይ ምእታው ግቡእ ተግባራዊ ቅድሚ ምግባሩ ዝኣተዉ ምዃኖም እውን ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ካልኦት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፥ እቲ ሳልሳይ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፣ ራብዓይ ወዲ 56 ዓመት፣ ሓምሻይ ድማ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ ኮይኖም ታሪኽ ጉዕዞ ዘይብሎም ኢዮም።

ምስ ካልኦት ሰባት ዝነበሮም ርክብ እናተፃረየ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

እታ ሻድሸይቲ ውልቀሰብ ጓል 33 ዓመት ነባሪት ከተማ ድሬዳዋ እንትትከውን፥ ቅድሚ ሕዚ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበራ ከምዝኾነት ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment