ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 114 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 745 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ካብዚኦም እቶም ሰለስተ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ተዛሪበን።

ካብቶም ተወሰኽቲ ሕሙማት እቲ ሓደ ወዲ 42 ዓመት ቻይናዊ እንትኸውን፥ ነባርነቱ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰበታ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን ድማ ነባርነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ካብዚኦም እቲ ወዲ 22 ዓመት ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመፅአን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበረን ኢዩ ኢለን።

እቲ ሳልሳይ ድማ ወዲ 22 ዓመት እንትኸውን ታሪክ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ኣይብሉን ክብላ ኣብሪሀን።

ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ 114 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment