ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ 6ይ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሻድሻይ ሰብ ምርካቡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሆስፒታታልትን ሆቴላትን ናይ ርክብ መርበብ ብምዝርጋሕ እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኣ ጓል 59 ዓመት እንግሊዛዊት ዲፕሎማት ካብ ሆቴል ብዝበፅሐ ሓበሬታ እተን ሰበይቲ ኣብዝርከባሉ ቦታ ኮይነን ንባዕለን ፈሊየን ንኽፀንሓ ብምግባር ብዝተገበረለን ናይ ላቦራቶሪ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፋ ምርግጋፁ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

እተን በቲ ሕማም ዝተለኸፋ ዲፕሎማት ካብ ትማሊ 7 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ኣብ ዝነበረኦ ሆቴል ኮይነን ንባዕለን ፈሊየን ክፀንሓ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

ምስተን ሰበይቲ ንኽክእ ዝነበሮም ሰባት ናይ ምፍላይን ምክትታል ስራሕቲ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ምዃኑ እውን ዶክተር ሊያ ተዛሪበን።

እተን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፋ ሰበይቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል ሕክምና እናተገበረለን ከምዘእኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment