ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 170 ሰባት እንትርከቡ 3 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሽሕን 187 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 170 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 115 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 93 ደቂ ተባዕቲዮ 77 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 81 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 57 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 7 ካብ ክልል ትግራይ፣ 7 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 13 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ከምኡ̕ውን 3 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ 2 ሰብ ድማ ካብ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 2 ሺሕን 506 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሰለስተ ሰባት ኢትዮጵያውያን ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 35 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ 22 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 401 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment