ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 344 ሰባት እንንትርከቡ 13 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 407 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 344 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 9 ሺሕን 147 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 86 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 4 ሺሕን 900 በፂሑ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 13 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም ውሽጢ እቶም ኣርባዕተ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ዝፀንሐ ከምኡ ‘ውን እቶም ትሽዓተ ምርመራ ኣስከሬን እንትግበር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ከምዝነበሩ ምርግጋፁ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብድምር 163 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment