ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 760 ሰባት እንትርከቡ 3 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 264 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 760 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ን364 ሺሕን 322 ሰባት ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 12 ሺሕን 693 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 200 በፂሑ ኣሎ።

140 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 785 በፂሑ ኣሎ።

ብተወሳኺ 68 ሰባት ኣብ ማእኸል ፅኑዓት ተሓከምቲ ከምዝርከቡ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment