ኣብ ኢትዮጵያ ብባይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 431 ሰባት ብባይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 85 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

እቶም በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፁ ሰለስተ ሰባት፥ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም እቲ ሓደ ውልቀሰብ ወዲ 43 ዓመት ኮይኑ፥ ካብ ኣሜሪካ ከምዝመፅአን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝነበረን ገሊፀን።

እቶም ዝተረፉ ክልተ ውልቀሰባት 30ን 24 ዕድመ ዘለዎም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበሮም ኢዮም ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment