ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ክፋላት ማሕበረሰብ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ክፋላት ማሕበረሰብ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብላ ኣብ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ፍልይቲ ልእኽቲ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴት ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንምምፃእ መንግስቲ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዝስርሑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝስርሑ ገሊፀን።

ሃና ቴት፥ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዑል ተስፋን ዕድልን ዘለዎ ዞባ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ውሕመ ኣብዚ ዞባ ምርግጋዕ ንክህሉ ዘላቒ ልምዓት ንምምፃእ ንፀገም ፀፅታ መበገሲታት ኣብ ምክልኻል ጠመተ ብምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ካብዚ ሓደ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ሸቶታት ስራሕቲ ልምዓትን ኢኮኖሚን ጠመተ ንክገብራ ምሕጋዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ክፋላት ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይቀርብ ከምዘሎ ብምግላጽ፥ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢለን።

ስራሕቲ ልምዓት ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብን እታዎታትን ደገፍ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ከምዝስራሕ  ኣረዲአን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment